Mekete

Mekete መኸተ - ዛንታታት ተመኵሮ ገድሊ

: ed.

Paperback (08 Aug 2019) | Tigrinya

  • $44.46
Add to basket

Includes delivery to the United States

10+ copies available online - Usually dispatched within 7 days

Publisher's Synopsis

ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ነቲ ካብ ግንቦት 1998 ክሳዕ ሰነ 2000፡ ናጻ ኤርትራ ገና እግራ ከይደልደለ፡ ብረዚን መስዋእቲ ዘረጋገጸቶ ሃገራዊ ልኡላውነት ትርጉም ኣልቦ ንምግባር ዝተፈተነ ሰለስተ ገዚፍ ወራራት ስርዓት ወያነን ነዚ ወራራት'ዚ ኣብ ምፍሻል ደጊሙ ዝተመስከረ ጅግንነታዊ መኸተ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ንምንጽብራቕ፡ እዛ "መኸተ፡ ካልኣይ ገድሊ ንምክልኻል ሃገር" ዘርእስታ ታሽዐይቲ ቅጺ "ዛንታታት ተመኲሮ ገድሊ" ናብ ኣንበብቲ ይዝርግሕ ኣሎ። ታሪኽ ወራር ወያነ ብግዜ ሓጺር ይዅን እምበር፡ ብዙሕን ዝተሓላለኸን ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማሲያዊን ወተሃደራዊን ፍጻመታት ዝሓቘፈ እዩ። ብስነመጐት ሓይሊ፡ ዓመጽ ከንግስ ዘንቀደ፡ ከቢድ ቍጠባዊ ዕንወትን ምምዝባልን ዘስዓበ ኲናት ድማ'ዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ፡ እቲ ሓደገኛ ውጥን ፈሺሉ፡ እቲ ኲናት ዕላማኡ ከይወቕዐ ብሓያል መኸተን ጅግንነትን ተረከብቲ ሕድሪ መንእሰያት ኤርትራ፡ ተጋዳላይን ህዝቢን በርዒኑ ምትራፉ ድማ፡ ነቲ ብቕያታት ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተመልአ ሃገራዊ ታሪኽ ኤርትራ ዝያዳ ርዝነት ክውኸሉ ክኢሉ እዩ። ኣብ መእተዊ'ዚ ናይ መጽሓፍ'ዚ፡ ዝምድና ሰውራ ኤርትራ ምስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ምስ ህ.ወ.ሓ.ት. ድማ ብፍላይ ብኸመይ መስርሕ ከም ዝሓለፈ፡ ነቲ ብዙሕ መሰናኽላት ሰጊሩ ደሓን ኣንፈት ዝሓዘ ዝምድና ዘሐርፈፈ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ናብ ኲናት ዘዕረገ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊን ካልእን ምኽንያታት፡ ከምኡ'ውን መስርሕ ናይቲ ኲናትን ጎድናዊ ሳዕቤናቱን ብሕጽር ዝበለ ተተሪኹ ኣሎ።

Book information

ISBN: 9789994801756
Publisher: Hdri Publishing
Imprint: Hdri Publishing
Pub date:
Edition: : ed.
Language: Tigrinya
Number of pages: 642
Weight: 1098g
Height: 254mm
Width: 178mm
Spine width: 33mm