ሓራ ምዃን፣  ናጻ ምዃን!

ሓራ ምዃን፣ ናጻ ምዃን!

Paperback (01 Jan 2022) | Tigrinya

  • $23.58
Add to basket

Includes delivery to the United States

10+ copies available online - Usually dispatched within 7 days

Publisher's Synopsis

ብዙሕ እዋን ሓሲበሉ፣ እንተዀነ፡ ስለምንታይ ግጥሚ ከም ዝጽሕፍ ጌና ዓማሚ መልሲ የብለይን። ንተመኵሮይ ብዝምልከት፡ ከምቲ ዝለመድኩዎ ወይ ከምቲ ዝሰረጸኒ፡ ምስ ሓሳባት ምዕላል ስለ ዝብርሃኒ፡ ካብቲ ምስ ውሽጠይ ዘዕልሎ ካዕበት፡ ነቲ ቝንጣሮ እየ ኣብ ወረቐት ዘስፍሮ። ኣብ ውሽጠይ ለመም እናበለ ዝጓዓዝ ስምዒት ኰይኑ ንዝስምዓኒ እየ ኣብ ወረቐት ከስፍሮ ዝፍትን። እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝፍጠርን እቲ ኣብ ወረቐት ዝሰፍርን ዝበዝሐ እዋን ምድራግ/ምምዕርራይ ይኣብየኒ። ዝበዝሕ ካብቲ ዝንውንው ጥዑም ዋሕዚ ሓሳባት'ሲ ኣብ ምፍልፋል እዩ ዝርከብ 'መስለኒ።


ድሕሪ'ቲ ኣብ 2014 ዘሕተምኩዎ ሕሩይ ግጥሚታት ዝሓዘ መጽሓፍ "ሰብ ዲኻ?!"፡ ብዛዕባ ዝቕጽል መጽሓፍ ዝሓቱኒ ግዱሳት ምስ በዝሑ፡ ኣቐዲሙ ዝመጽኣኒ ሓሳብ፡ ቀልጢፈ 'ከሕትም ድየ!' ዝብል'ዩ ነይሩ። ከሕትም እንተ ዀይነኸ ነቲ ካብ "ሰብ ዲኻ?!" ዘጽናሕኩዎ ግጥሚታት ኣኪበ ድየ ካልኣይ መጽሓፍ ግጥሚ ከስዕብ ወይስ ነቲ ዘይመላእኩዎ፡ ጀሚረ ዘወንዘፍኩዎ፡ ናይ ትርጉምን ልቂ-ጽሑፍን ስራሓት ኣጻፊፈ እየ ከሕትም ኣብ ዝብል ሓሳብ ውዱእ መልሲ ኣይነበረንን። ሓደኡ ክገብር ኣብ ዝወሰንኩሉ፡ ኣብ ቍርጽራጽ ወረቐት ዝተኣከበ ግጥሚታት ከም ዝነበረኒ ዝፈለጥኩ፡ ተፍትሽ ሰነዳተይ ምስ ኣካየድኩ እዩ። ስለዚ፡ ካልኣይ መጽሓፍ ግጥሚ ምድላው ዘይስገር ምዃኑ ተገንዚበ። ኣብ "ሰብ ዲኻ?!" ዘየርከበት - ኣጸቢቓ ስለ ዘይተሃንጸት - 'ጸበል ናቕፋ ንጸጉለይ' ኣብ ዝኽሪ 20 ሰነ 2015፡ መዓልቲ ሰማእታት*፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ምስ ቀረበት፣ ኣብ ዓመቱ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚ፡ 'ድምጺ ስቕታ!'፣ ኣብ 2018 'መቓልሕ'ዚ ቦታ!' ምስ ቀረባ፡ ምስቲ ዝነበረኒ ግጥሚታት ኣኪበ ከም ኣመለይ ንብጾተይ ኣርእየዮም። ኣብ መንጐ "ሰብ ዲኻ?!" ወ "ሓራ ምዃን፣ ናጻ ምዃን!" ዝጸሓፍኩዎ ውሑድ እዩ። ዘጽሕፈኒ ዝነበረ ኵነታትን ቦታን ስለ ዝተቐየረ'ዩ 'መስለኒ፡ ወይ'ውን ምናልባት ኣብቲ ዝሓለፈ ብብዝሒ ስለ ዝጸሓፍኩ ክኸውን ይኽእል፡ ምስቲ ዝነበረ ግጥሚታት ምቅላስ'የ መሪጸ፣ ተስፋ እገብር ምሕሳብ ስለ ዘጕደልኩ ከይከውን። ኣብቲ ቐዳማይ ተመኵሮይ፡ "ኩላ ግጥሚ ድያ! ልቢ-ወለድ ዘይትጽሕፍ!፧" ዝበሉኒ ሰባት ብዙሓት ነይሮም። ብኣንጻሩ፡ ግጥሚታት እናጠቐሱን ብቓሎም እናወጽኡን ብወኒ ዘዕለሉኒን ዝሓተቱኒን ብዙሓት እዮም። ግጥሚ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ሓያልን ነዊሕ ዝጸንሐን ሰረት ኣሎዎ - ብፍላይ ኣብቲ ኣፋዊ። ብቛንቋ ትግርኛ ክትገጥም'ምበኣር ቀሊል ብድሆ ኣይኰነን። ነቲ ዝጸንሐ ዝምልእ ክኾነልካ ስለ እትደሊ፡ እቲ ጕዕዞ ዝውድእ'ምበር ዝውዳእ ኣይከውንን።

Book information

ISBN: 9789994801770
Publisher: Hdri Publishing
Imprint: Hdri Publishing
Pub date:
Language: Tigrinya
Number of pages: 202
Weight: 310g
Height: 234mm
Width: 155mm
Spine width: 17mm