ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ (ክፋል ክልተ) (Tigrinya Edition)

ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ (ክፋል ክልተ) (Tigrinya Edition)

Paperback (31 Dec 2020) | Tigrinya

  • $25.97
Add to basket

Includes delivery to the United States

10+ copies available online - Usually dispatched within 7 days

Publisher's Synopsis

ንዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ስለ'ዛ ብቑዕ መግለጺ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኲነታት ኣብ ኤርትራ እተስንቕ ጥራይ ዘይኰነ፡ እንተላይ ብዛዕባ መጻኢ ናይታ ምጭውቲ ሃገሩ ኣገደስቲ ሕቶታት እተልዕል፡ ዚለዓለ ክብሪ ዚሓዘለ ትሕዝቶ ዘለዋን ኣዝያ ሓባሪትን መጽሓፉ ዮሃና እብሎ። ኣብቲ ነዊሕ ተመክሮኡ ከም ተጋዳላይ፡ ከም ላዕለዋይ መንግስታዊ ኣገልጋሊ፡ ከም ኣምባሳደርን ኣብቲ ሃብታም ተመክሮኡ ናይ ኣፍሪቃን ብምምርኳስ፡ ብውሕልነትን ጽፈትን'ዩ ጽሒፉዋ።

ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ገዛእ ርእሳ መጻኢ ኪትውስን ኪትክእል ኣለዋ። ሓርነት፡ ሓላፍነት፡ ቍጽጽር ኣብ ልዕሊ መጻኢ ዕድላ፡ ምሕዝነት፣ እዚኣቶም እቶም ወሰንቲ ሓሳባት ናይ'ቲ ሰሳንነት መስርሕ ልምዓት ንምርግጋጽ ዚሕግዝ ሓድሽ ራእይ ንኣህጕራዊ ምትሕግጋዝ ኢዮም። እቲ ህጹጽ ኣድላዪነት ምፍጣር ደሞክራስያዊ መንግስቲ ድማ ኣብ መላእ'ዛ መጽሓፍ ይንጸባረቕ። ብቑዕ ምሕደራ፡ ኣኽብሮት ሰብኣዊ መሰላት፡ መትከላት ደሞክራሲን ግዝኣተ-ሕግን ሰረት ናይታ መጽሓፍ ዘንጽፉ ኣገደስቲ ኣድማሳዊ ክብርታት ኢዮም።

ዓንደብርሃን ሓደ ካብቶም ንልዝብ፡ ጽገናን ለውጥን ክፉታት ዚዀኑ ሰብ ራእይ ኢዩ። ኤርትራ ኣብ ቃራና መንገዲ ነቲ ንኤርትራን ኣፍሪቃን ዘጋጥመን ዘሎ ብድሆታት ንምርዳእ እትሕግዝ መፍትሕ ኢያ። ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ እናበኣሰ ዚኸይድን ነታ ክፍለዓለም ዓትዒቱ ሒዙ ንድሕሪት ዚጐትትን ዘሎ፡ ዚተሓላለኸን ብዛዕብኡ ውሑድ መረዳእታ ዘሎን ቅልውላው ንምልላይ ዓይኒ እትኸፍት ኢያ። እዛ መጽሓፍ'ዚኣ፡ ነቲ ዞባ ንምርዳእ ድልዱል ምርምራዊ መሰረት ተንጽፍ፡ ንዚዀነ ንኣፍሪቃ ዚበለጸ መጻኢ ኪሃንጽ ዚደሊ ድማ ዓቢ መበገሲ ነቚጣ ተጣጥሕ። ስለ'ዛ ኣብ ኵሎም ኣፍቀርቲ ኣፍሪቃ ቦታኣ እትሕዝ ኣዝያ ክብርቲ መጽሓፉ ዮሃና እብሎ።

ሉዊ ሚሸል

ኣባል ፓርላማ ኤውሮጳ፣ ኤውሮጳዊ ኮሚሽነር ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን (2004-2009)፣ ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት በልጁም (1999-2004)



Book information

ISBN: 9781682353547
Publisher: Strategic Book Publishing
Imprint: Strategic Book Publishing
Pub date:
Language: Tigrinya
Number of pages: 324
Weight: 486g
Height: 153mm
Width: 229mm
Spine width: 23mm